Tigrinya-ሓበሬታ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዉልቃዊ መንነት ን ተቐማጦ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት

Publisert: 24. februar 2025

ካብቲ ውልቃዊ መንነትካ ዝተሓዝን ዝርአን ኣየናይ ኢዩ?

ኣብ ትሕቲ ዝርርብ ናይ ምውዛዕ መንበሪ ምምሕዳር፣ ብዛዕባኹም ዝነግር ውልቃዊ ሓበሬታ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ምምሕዳር ይንገር ኢዩ። ብምኽንያት መስርሕ መንበሪ ምምሕዳር፣ እዚ ውልቃዊ ሓበሬታት ድማ በቶም መንግስታውያን ቤትጽሕፈታት ኣብ ኖርወይ ጥራሕ ኢዩ ዝርአ። (እዚ ካብቲ ሕጊ ኢንትሮ ዝሰዓበ ኢዩ § 25 ቀዳማይ ክፋል ፊደል ደ ሕጋዊ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ውልቃውያን ሓበሬታት § 8).

እዞም ዝስዕቡ ጠለባት ብኣና ዝድለዩ ኢዮም:

  • ፍሉይ ኩነታት ግምት ክግበረሉ ዘለዎ ነቲ መስርሕ ምውዛዕ ምምሕዳር
  • ሰዓትን ግዜን ኣድራሻን ቋንቋ ኣደን
  • ትደልይዎ ቋንቋ ንክትርጎመልኩም

ን መስርሕ ምውዛዕ ምምሕዳር ኣድላይነት ምስ ዝህልዎ፣ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታት ክረአዩ ይከኣሉ:

  • መበቆላዊ ዓሌት
  • ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ምትእስሳርን
  • ዘቕጽዑ ጉዳያት
  • ጥዕናዊ ጉዳያት
  • ስጋዊ ዝምድናታትን ዝንባለን እንከላይ ጾታዊ መንነት

ብዛዕባ ጉዳይ ጥዕናኹም ዝገልጽ ሓበሬታ ክርአ እንተ ኮይኑ ናይ ፍቓድ መረጋገጺ ፎርም ክትፍርሙ ኣለኩም። እዚ ፍቓድ ነቶም ኣገልግሎት ጥዕና ወሃብቲ ጉዳይኩም ንክርእይዎን ምስ ካልእ ድማ ክካፈልዎ ትፈቕዱ።ሰራሕተኛታት ሞታክ ነዚ ወረቐት ኣብ ምፍራም ክተሓጋገዝኹም ይኽእሉ ኢዮም።

ንምንታይ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ኣድላይነት ዘለዎ?

ውልቃዊ ሓበሬታኹም ዘድልየና ምኽንያት፣ ምእንቲ ነቲ ጠለባትኩም ናይ ምውዛዕ ምምሕዳር ብዝበለጸ ከነማለኣልኩም ምእንቲ። ስለዚ ውልቃዊ መንነትኩም ን ከምዚ ዕላማ ጥራሕ ኢዩ ኣድላይነቱ። ጥዕናዊ ሓበሬታ ዘድልየና ኣብ ግዜ ምውዛዕ ምኽንያቱ፣ ዓቢ ስንክልና ወይ ጉድለት ኣካል ወይ ናይ ጠባይ ጸገም ወይ ካልእ ጥዕናዊ ብዳሄ ዘለዎ ብዝሓሸን ዝጠዓመ ን ገዛ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ውልቃዊ ሓበሬታ ምስ መን ንካፈሎ/ንለዋወጥ?

ድሕሪ ዝርርብ ናይ ምውዛዕ እቲ ሞታክ(መዕቆቢ ስደተኛታት ብ ሚኒስትሪ ኢመግረሽን ዝመሓደር)፣ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኾነ ምስ ኤምዲ ክፍሊ ምውዛዕ፣ ናቭ፣ ምምሕዳር ዞባን መንበሪ ኮሙነን ይካፈሎ። እዚ ምስዳድን ምክፍፋልን ሓበሬታ በቲ ውሑስ ኣገባብ ናይ ዲጂታል ስይስተም ናይ ኤምዲ ይፍጸም፣ ብኡ ድማ እቲ ስምምዕ ናይ ኮሙነን ኤምዲን ይካየድ።

ውልቃዊ ሓበሬታታት እንተ ዶንገየ ድሕሪ 15 ዓመት ናይ ምውዛዕ ግዜ ይሕከኽ ወይ ይድምሰስ። (
Jf. ሕጋዊ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ውልቃዊ ሓበሬታትት ድሕሪ ሕጊ ኢንትሮ § 16 ካልኣይ ክፋል)